Friday , May 3 2024

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብዛዕባ ቀታሊ ፖሊስ ብዝተዋህበ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ምንም ዘይምግባሩ ተወቒሱ

Johan Nilsson// TT

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝቐርበሎም ሓያሎ ጸብጻባት ተኽእሎ ገበን ኣመልኪቶም ዝኾነ ዝኾነ ስጉምቲ ይወስዱ ዘይምህላኦም ቅረታ ቀሪቡ። ኣብ ሓጋይ 2021 ኣብ ቢስኮፕስጋርደን—ዮተቦሪ– ሓደ ኣባል ፖሊስ ብወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ምቕታሉ ኣመልኪታ፥ መርማሪት መደብ ሬድዮ ሽወደን “ካሊበር” ኣብ ዮተቦሪ ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝተኻየደ ውሽጣዊ መርመራ ገምጋም ኣካዪዳ። ብመሰረት እቲ ገማጋም ድማ ንባህርያት እቲ ገበነኛ ብዝምልከት ካብ ወላዲቱ ሓዊሱ ብኻልኦት ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝቐረቡ ሓያሎ ጥርዓናት ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይወተወስደሎም መርትዖታት ረኺባ’ላ። ኣአ እቲ ገበነኛ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ወዳ ንሓደ ሰብ ብጥይት ክቐትል መደብ ከም ዘነበሮ ኣጠንቂቓ ምንባራ ካሊበር ወሲኻ ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com