Thursday , May 2 2024

ማሕበር ሰራሕተኛታት፡- “ኣብ ሓደ ቦታ ብብዝሒ ንኡሳን ኮንትራክተራት ምህላዎም ን ሓደጋ ዘቃልዕ እዩ”

Credit: Magnus Lejhall

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስራሓት ህንጻ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓያሎ ሞት ዘስዓበ ሓደጋታት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጻ ዝውዕሉ ዘለኡ ንኡሳን ኮንትራክተራት ዳግማይ ዘተ ይካየድ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ባይግናድስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ብሓደጋ ሊፍት ሓሙሽተ ሰባት ዝሞቱሉ ኣብ ሱንድባይበርግ ዝርከብ ህንጻ 119 ንኡሳን ኮንትራክተራት ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቲ ማሕበር፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሳንድባይበርግ ዘጋጠመ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ግምቱ ክህብ ከም ዘይደሊ እንተኾነ ግና ብሓፈሻ ኣብ ሓደ ቦታ ብብዝሒ ንኡሳን ኮንትራክተራት ምህላዎም ዝያዳ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com