Monday , May 13 2024
Henrik Montgomery/TT

ማሕበር ንግዲ ኣብ ዱካናት ዘሎ ሸለልትነት ምፍንታት ምክትታል ክግበረሉ ጸዊዑ።

ማሕበር ንግድ ሽወደን ኣብ ዱካናትን ዕዳጋን ምፍንታት ብጽኑዕ ንኽትግበርን እዚ ይካየድ ምህላዉ መርመራ ክግበርን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ባራትን ኣብያተ መግቢን ዘሎ ዓይነት መርመራ ክግበር ይግባእ እዩ ድማ ኢሉ። ኣባላትና ኣብ ቅድመ ግንባር ምክልኻል እዚ ሕማም ምስ ምህላዎም ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ እክብ ኢሎም ይርከቡ ምህላዎም ብምምልካት ብዛዕባ እዚ ኲነታት ኣዝዮም ተሻቒሎም ምህላዎም ምክትል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ሊንዳ ፓልመትዝሆፈር ገሊጻ። ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ኣስታት 34% ዱካናት ሽወደን ዝገብራኦ ንግድ ምጒዳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ዛጊት ዕጒግ ኢልካ ዝግበር ሸመታ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ተርእዮ ምዃኑ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com