Monday , May 6 2024

ማሕበር ወነንቲ መራኽብ ሽወደን ጸጥታዊ ስጉምትታት ክውሰድ ይጠልብ

Credit: Houthi Media Center via AP

ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት፡ ​“​ማሕበር ወነንቲ መራኽብ ሽወደን” ስጉምትታት ጸጥታ ክውሰድ ጸዊዑ። እዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ መራክብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ የመን ብዝመደብሩን ብኢራን ብዝሕገዝን ዕጡቕ ሑቲ ብሓላፍነት ክኸስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽወደንን ሕብረት ኣውሮጳን ነተን መራኽብ ሓለዋ ክገብራለን ኣለወን ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኩባንያታት ሽወደን ን ቀይሕ ባሕሪ ከም መተሓላለፊ ከም ዝጥቀማሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ መራኽብ የብለንን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com