Thursday , May 2 2024

ማእከላይ ባንክ ንመጠን ወለድ ኣብ 4% ክጸንዕ ወሲኑ

Credit: Jonas Ekströmer

ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–ቀንዲ ወለድ ኣብ 4% ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ጀሚሩ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ወሰኽ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ መጠን ወለድ ክዕቅብ ወሲኑ’ሎ። እቲ ባንክ፡ ዋጋታት ንብረት ገና ኣዝዩ ልዑል ምህላዉ፡ እንተኾነ ግን ቊሩብ ምጒዳሉ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ምንቊልቋል ከምዘሎን ንጹር ምልክታት ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ሕጂ’ውን ልጓም ዘለዎ ገንዘባዊ ፖሊሲ ምኽታል ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ባንክ፡ ብኣንጻርዚ ተርእዮ ኣሃዛት ዋጋታት ኣባይቲን ኣቕሑን እንተወሲኹ ግና፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ነቲ መጠን ወለድ ዳግማይ ከዕብይዎ ከምዝኽእሉ እቲ ባንክ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com