Sunday , May 5 2024

ሜሲ፡ ንክለብ ባርሴሎና ይገድፋ’ዶ ይኸውን

ኮኾብ ተጻዋታይ ክዕሶ እግሪ ዓለምና፡ ሜሲ፡ ምስ ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ባርሴሎና ፡ሮናልድ ኩማን፡ ንኽዘራረብ ዕረፍቱ ኣቋሪጹ ከምዝተመልሰ ካቶሎናዊት ጋዜጣ ኣቃሊሓ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ ውሽጢ ክለብ ባርሴሎና ዘሎ ኩነታት ክቕየር ከምዝደሊ፡ ሜሲ፡ ክሕብር እንከሎ፡ ንባርሴሎና ሒዝዎ ዘሎ ፕሮጀክት ድማ፡ ኩማን፡ ከም ዝገለጸሉ እታ ጋዜጣ ኣቃሊሓ።

ንመጻኢ መደባት ክለብ ባርሴሎና ዝምልከት፡ ንጹር ዝኾነ ፕሮጀክት ከምዘየለን ብፍላይ ድማ ድሕሪ ብባየር ሙኒኽ ዝወረዳ ናይ 8 ፡ 2 ዘሕፍር ስዕረት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ክለብ ዘሎ ኩነታት ኣታሓሳሳቢ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ሜሲ፡ ድሕሪ ምዝራቡ፡ በቲ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ንነብሱ ካብ ክለብ ባርሴሎና ወጻኢ ክርእያ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ ክትብል  ካቶሎናዊ ማዕከን ሓበሬታ (ራክ 1) ኣመሓላሊፋ።

ሜሲ፡ ንክለብ ባርሴሎና ገዲፉ ናብ ካልእ ክለብ ንኽኸይድ ድልየት’ኳ እንተሃለዎ፡ ምስታ ክለብ ዝኣስሮ ውዕል ከምዘሎን እቲ ተነቢሩ ዘሎ ቅድመ ኩነት ድማ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሰብ መዚ እታ ክለብ፡ ሜሲ፡ ንክለብ ባርሴሎና ገዲፉ ክኸይድ ከምዘይክእል ነቲ ውዕል መሰረት ብምግባር የረጋግጹ።

ንሜሲ ንኽውንና ዝቋመታ ዘለዋ ክለባት ድማ ብዙሓት እኳ እንተኾና፡ ክለባት ማንቸስተር ሲቲን ኢንተርሚላንን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ከም ዝርከባ ብራዚላዊት ስፖርታዊ መስመር፡ ኣንትራቲቮ፡ ገሊጹ።

ሜሲ ምስ ክለብ ባርሴሎና ዘለዎ ውዕል፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ከብቅዕ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com