Thursday , May 2 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ምስ ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ሽወደን ኣብ ጒዳይ ብልሽውና ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምህላዋ ተገሊጹ።

ኣብ ጒዳይ ብልሽውና፡ ሽወደን ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምህላዋ ተገሊጹ። “ትራንፓረንሲ ኢንተርናሽናል” ዝተባህለ ውድብ ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዘሎ መጠን ብልሽውና ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ተርታ፡ ሽወደን ኣብ ዓለምና ካብተን ዝተሓተ መጠን ብልሽውና ዝረኣየለን ሃገራት ኢሉ’ኳ እንተሰመያ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኖርዲክ ግና ዝተሓተ ደረጃ ምሓዛ ተፈሊጡ።

“ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዋ ዘተሓሳስብ እዩ” ክትብል ኣደመንበር “ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ሽወደን” ኡልሪክ ኣሽቩድ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com