Sunday , May 5 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT / kod 10060

ምስ ሓበሬታ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰራሐተኛታት ተኸሲሶም።

ኣብ ብሕታዊ ናይ መጠንቀቕታ ኲባንያ ኣተርቦ ዝሰርሑ ሰለስተ ሰባት ን መሰል ምዝራቚ ሓበሬታ ብምግሃሶም ተኸሲሶም። ኣቐድም ኣቢሉ ብ ኣካየድቲ ስራሕ ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ተዋሂብዎም ምንባሩ እቲ ክሲ ኣመልኪቱ። ሓንቲ ሰራሕተኛ እዚ ኲባንያ ኣብቲ ኣትሰርሓሉ ትካል መምርሒታት ኮቪድ-19 ሸለል ይበሃሉ ምንባሮም ንሓደ መራኸቢ ብዙሃን ምግላጻ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ተግባር ን ኣዋጅ ማለት ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ብሕታውያን ኲባንያታት ንመራኸቢ ብዙሃን ሓበሬታ ናይ ምሃብ መሰሎም ዝጥሕስ እዩ ክብል ኣኽባር ሕጊ ምኽንያት ክሱ ኣብሪሁ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com