Thursday , May 2 2024

ምስ ሓደጋ ተለፈሪካ ብዝተኣሳሰር: ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

ምስቲ ትማሊ ሰንበት: ኣብ ሰሜን ዓዲ ጥልያን ዘጋጠመ: ሂወት 14 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ተለፈሪካ: ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ: ኣብቲ ኩባንያ ዝሰርሑ ሰለስተ ሰባት: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ: ላ ሪፓብሊካ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ::
እቶም ሰለስተ ጥርጡራት: ዋና እቲ ኩባንያ: ዳይረክተርን ላዕለዋይ ኦፐረተርን ምዄኖም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ፤፤

15 ሰባት ሒዛ ናብ እምባ ሞታሮን ትሰቀል ዝነበረት ተለፈሪካ: ሓደ ገመድ ስለዝተበትካ: ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምዄን ንድሕሪት ተሓንቢባ እናተመለሰት ምስ ዓንዲ ድሕሪ ምግጫዋ: ክሳብ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እቲ እምባ ትበጽሕ: ንኣስታት 500 ሜትሮ ከም ዘንከራረወት ይዝከር።
ኣቀድም ኣቢሎም: እዞም ሰለስተ ጥርጡራት: እቲ ናይ እዋን ሓደጋ መኻብሕ(ፍረኖ)ተበላሽዩ ስለዝነበረ: ኣብ እዋን ስራሕ ዕንቅፋት እናኾነ ብዝብል ምኽንያት: ኮነ ኢሎም ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይረሞ ምጽነሖም ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com