Saturday , May 4 2024

ምቅጻል ቁርኣን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ክንድቲ እተፈርሆ ኣይጸለወንን

Credit: Vincent Thian/AP

ዓሚ ኣብ ሽወደን ብተኸታታሊ ድሕሪ ዝተፈጸመ ምቅጻል ቁርኣን፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሳ ኩባንያታት ሽወደን ካብቲ ተፈሪሁ ዝነበረ ልብጥ ዝበለ ጽልዋ ከም ዝበጽሐን “ቢዝነስ ሽወደን” ሓቢሩ። “ምቅጻል ቊርኣን ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ኩባንያታት ሽወደን ዝተወሰነ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣንጸላልዩ እኳ እንተነበረ፡ ክንድቲ ዝፈራህናዮ ግና ኣይኮነን” ትብል ኣብ ቢዝነስ ሽወደን ምክትል ፕረዚደንት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ማሃ ቡዘይድ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ዝበዝሐ ካብ ህዝበን ተኸታሊ እምነት ምስልምና ዝኾነ ብርክት ዝበላ ሃገራት ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዝቃወም ሰልፍታት እኳ እንተተኻየደ፡ ኩባንያታት ሽወደን ናይ ንግድ ምንቅስቓሰን ደው ኣይበለን ክትብል ማሃ ወሲኻ ገሊጻ’ላ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com