Saturday , May 4 2024

ምትካኽ ሽጋራን ሽሻን

ሽሻ

ሽሻ ኣብ ንስሕበሉ እዋን ምስኡ ትምባኾ ክንስሕብ ንኽእል ኢና። ነቲ ትኪ ጣዕሙ ኮነ ሽትኡ ንምቅያር ዝተፈላለዩ ጥረነግራት ንጥቀም ኢና፡ ከምኡ’ውን ሓሺሽ ክንገብረሉ ይክኣል። ሽሻ ኣብ ጥዕናና ዘውርዶ ጉድኣት ምስቲ ብምትካኽ ሽጋራ ዝወርደና ጉድኣት ክነጻጸር ከሎ ማዕረ’ዩ። ሽሻ ንነዊሕ ግዜ ስለንስሕቦ እቲ ካብኡ ዝርከብ ትኪ ብ40 ዕጽፊ ካብ ናይ ምትካኽ ሽጋራ ይበዝሕ። ካብ ሽሻ ብብዝሒ ካርቦን ሞኖክሳይድ ዝብሃል ጋዝ ይወጽእ። ስለዚ ንንውሕ ዝበለ እንተደኣ ስሒብናዮ ምራዘ ናይ ካርቦን ሞኖክሳይድ ጋዝ ከጋጥመና ይኽእለ’ዩ። በዚ ምኽንያት ቃንዛ ርእሲ፡ እንጽሩር ምባል ከምኡ’ውን ከይተረደኣካ ምውዳቕ ከጋጥመና ይኽእል’ዩ።

ሕማቕ ሳዕቤኑ ሽሻ ኣብ ዝተናውሐ እዋን

ሽሻ ንነዊሕ እዋን እንተደኣ ስሒብናዩ ንዝተፈላላአዩ ሕማማት ዝተቓላዕና ንኸውን፡ ንኣብነት መንሽሮ ናይ ሳንቡእ፡ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ፡ ሕማም ግርጻን፡ ከምኡ’ውን ትሑት ሚዛን ዘለዎ ህጻን ብፍላይ እታ ኣደ ኣብ ግዜ ጥንሲ ተትክኽ እንተነይራ።

ምትካኽ ሽጋራ

ሽጋራ ኣብ ነትክኸሉ እዋን ዝተፈላለዩ መርዛማት ጋዛት ከም በዓል ካርቦን ሞኖክሳይድ ንውሽጢ ንስሕብ። እቶም መርዛማት ጥረነገራት ከኣ ኣብ ጥዕናና ዓቢ ጉድኣት የውርዱ። ገለ ሰባት መቅምዒ (ፊልተር) ይጥቀሙ ኢዮም፡ እዚ ኣብ ንጥቀመሉ እዋን ብዙሕ ቦኸኽታ ንውሽጢ ንስሕብ፡ ስለዚ ኣየናይ ኢዩ ዝሓሸ ንጥዕና ዝተፈልጠ የለን።

ምትካኽ ዘውርዶ ገድኣት

ትምባኾ ኣነቓቓሒ ኢዩ። ኣብ ትምባኾ ዝርከብ ባእታ ከነቓቓሓካን ከረጋግኣክን ይኽእል’ዩ። ከምኡ’ውን ክትውለፎ ትኽእል ኒኮቲን ዝበሃል ባእታ ዝሓዘ’ዩ። ካልኦት መርዛማት ጋዛት ከም በዓል ካርቦን ሞኖክሳይድ ይርክብዎ። ከምኡ’ውን መድሃኒታት ኣብ ንወስደሉ እዋን እቲ መድሃኒት ነቲ ዝተባህሎ ዕላማ ብግቡእ ከምዘይሰርሕ ይገብር። ዘይተኣደነ ገንዘብ ከኣ የባኽን።

ምትካኽ ደው ምባል

ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸግመ ወይ ከኣ ንውልዶም ክብሉ ደው የብልዎ። ምትካኽ ደው ከትብሎ ምስትሓስብ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ትካላትን መደባትን ኣለዎ። ኣብ ኢንተርነት ብምድላይ ወይ’ውን ምስ ሓኪምካ ብምዝርራብ ክትረኽቦም ይክኣል’ዩ።

ምንጪ: rokeninfo.nl


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com