Sunday , May 5 2024

ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ቅርጹን ሽሙን ክቅይር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።

ማዕከን ዜና ኣልኮምፒስ ትግርኛ ፡ ሽምን ቅርጽን ብምልዋጥ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ናይ ሓድሽ ዓመት ፡ ኣብ ትሕቲ ሃርሞንይ ሜድያ ዝተባህለ ፡ ሓድሽ ናይ ቃንቃ ትግርኛ ትካል ብሙኻን ፈነውኡ ከካይድ ምኻኑ ክፍሊ ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ሎሚ 21 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ምስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብሽርክነት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ፈነወ መደብ ዓረብ ኣልኮምፒስ ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ብምዝዛም ፡ ሃርሞንይ ሜድያ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሓድሽ ትካል ብዛዕባ ሽወደንን ከባቢናን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ንመላእ ኤውሮፓ ሸፈነ ዝገብረ ፈነወ ከካይድ ተበጊሱ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተነጺሩ። ምስ መሽርኽትና ትካል ሜድያ ኣልኮምፒስ ይኹኑ ካልኦት ማዕከናት ዜና ምትሕብባሩ ብምቅጻል ፡ ሰፋሕቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፈነውኡ ዘይነበሩ ሓደሽቲ መደባት ብምትእትታው ፡ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዘለው ተጠቀምቲ ቃንቃ ትግርኛ ናይ ገዛእ ርእሶም ማዕከን ዜና ክውንኑ ኣኽኢልዎም ኣሎ።

ኩሎም ኣብዚ ንኽበጽሕ ከይሰልከዩ ዝሰርሑ ኣባላቱን ኣካየድቲ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ዕዙዝ ምስጋና ይብጽሓዮም ዝበለ እቲ መግለጺ ፡ ንኹሎም ተጠቀምቲ ቃንቃ ትግርኛ ንስለቲ ኩሉ ዝተገብረ ሞራላዊ ምትብባዕን ተሳታፍነትን ተኸታተልትና ብምምስጋን ኣብዚ ሓድሽ ሃርሞኒይ ሜድያ ተሳታፍነቶም ከዕብዩ ጸዊዑ።



Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com