Thursday , May 2 2024
Näringsminister Ibrahim Baylan (S) vid en digital pressträff med statsepidemiolog Anders Tegnell. Foto: Erik Simander / TT / 11720

ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና፡ ሓምለ 15

መንግስቲ ሽውደን፡ ምስ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ብምዝማድ፡ ኣንቢርዎም ዝጸንሐ ቀይድታት ኮሮና፡ ንኸፍኩሶም ወሲኑ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ሓድሽ ውሳኔ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ዝተጋብአ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ወኪሉ፡ ሚኒስተር ቁጠባዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ኢብራሂም ባይላን፡ ዘመሓላለፎ እዩ ነይሩ።

እቶም ዝተላዕሉ ቀይድታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም

  • ጸኒዑ ዝነበረ ንኣቀማምጣ ወናብር ናይተን ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ዝጓዓዛ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ዝምልከት ቀይድታት፡ ተላዒሉ
  • ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ህዝባውያን መጓዓዝያታት ንኽጥቀሙ ዝውስን ዝነበረ ቀይድታት፡ ተላዒሉ
  • ምምሕዳራት ከተማ፡ ንብዝሒ ኣብ መናፈሻታት፡ ነብስኻ ኣብ እትሕጸበሉ ቦታታትን ካልእን ዝእከቡ ብዝሒ ሰባት ንምውሳን ተዋሂብወን ዝነበረ ስልጣን፡ ተላዒሉ
  • ኣብ ስፖርታዊ ኣደራሻት፡ መሐንበሲ ቦታታት፡ ሳሎናት፡ ቤተ መዘክራት፡ ዱኳናት፡ መዘናግዒ ቦታታትን መካነ እንስሳታትን፡ ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ ሓደ ሰብ ጥራይ ክህሉው ዝብሉ ዝነበሩ ቀይድታት፡ ተላዒሎም።

እዚ ሳልሳይ መድረኽ ምፍኳስ ቀይድታት ኮቪድ-19፡ ካብ ዕለት 15 ሓምለ፡ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ፡ ባይላን፡ ገሊጹ።

ቀይድታት ኮሮና በብመድረኻቶም’ኳ ክለዓሉ እኳ እንተጸንሑ፡ ለበዳ ኮሮና ምልዓል ቀይድታት ኮሮና፡

ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና፡ ምውዳእ ለበዳ ኮሮና ማለት ስለዘይኮነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እቲ ብመምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝመሓላለፉ መምርሒታት ክኽተልን፡ ኣብ ምንቅስቓሳቱ ጥንቃቐታት ክገብርን፡ ባይላን፡ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com