Thursday , May 2 2024

ሩስያ ተወሳኺ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከም ዘለዋ ዘለንስኪ ገሊጹ።

ሩስያ ትሕተ-ቕርጺን ሞራልን ህዝቢ ዩክሬይን ንምስባር፡ ተወሳኺ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከም ዘለዋ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ። ሩስያ ነዚ መጥቃዕቲ ፍርያት ኢራን ብዝኾና ድሮናት “ሸሀድ” ከተካይዶ ትዳሎ ምህላዋ ስለያዊ ሓበሬታ ምርካቡ ዝለንስኪ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ሩስያ በዚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣቢላ ን ዩክሬይን ንምድቓቕ ወጢና ምህላዋ ዘለንስኪ ኣተሓሳሲቡ።

ዩክሬይን ኣብ ዞባ ዶንባስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሩስያ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣማኢት ካብኣቶም ከም ዝቐተለት ኣቐዲማ ምግላጻ ዝዝከር እዩ። ብተመሳሳሊ ሩስያ በዚ መጥቃዕቲ ዩክሬይን 63 ወተሃደራታ ከም እተቐትልዋ ብዘይተለምደ ኣገባብ ምእማና ተፈሊጡ።

“ነዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሩስያ ኸነፍሽል ኲሉ ዝከኣለና ክንገብር ኢና” ክብል ዘለንስኪ ገሊጹ’ሎ–ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com