Friday , May 3 2024
Rwanda's President Paul Kagame. (UN Web TV via AP) XUNBM109

ሩዋንዳ፡ ናብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጒዕዞ ኣጊዳ

መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ካብን ናብን ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጒዕዞ ደው ምባል ሓዊስካ ካልኦት ስጒምቲታት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።

ኲሎም ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሩዋንዳ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ፡ ውጽኢት መርመራኦም ኣሉታዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገለጸ እቲ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብ ምእታዎም ሓድሽ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑን እውን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ካብተን ብሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ኦምሪክሮን ዝተጠቕዓ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ተጓዓዝቲ፡ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ውሸባ ክግበረሎም ምዃኑ እውን ተገሊጹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ መርዓን ስነ ስርዓት ቐብርን ሓዊስካ፡ ኣብ ብዝሒ ሰባት ዘለዎ ምትእክኻብ ክካፈሉ ዝውስኑ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ክኾኑ ከም ዘለዎም ተወሲኑ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ከም እተረኽበ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር፡ ናይ ጒዕዞ እገዳ ኣንቢረን ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሩዋንዳ ኣብታ ሃገር ጒዕዞ እገዳ ካብ ዘንበራ ሃገራት እታ ናይ መወዳእታ ኮይና’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com