Monday , May 6 2024
A soldier stands next to a portrait of former Zimbabwean President Robert Mugabe during mass at his rural home in Zvimba, about 100 kilometers north west of the capital Harare, Saturday. Sept, 28, 2019. According to a family spokesperson Mugabe is expected to be buried at the residence after weeks of drama mystery and contention over his burial place. (AP Photo/Tsvangirayi Mukwazhi) XTM111

ሮበርት ሙጋቤ: ዳግማይ ቀብሪ ክግበረሉ: ጻውዒት ቀሪቡ

ሬሳ ፕረሲደንት ዚምባብዌ ነበር: ሮበርት ሙጋቤ: ካብቲ ዘለዎ መቓብር ወጺኡ ኣብ ሃገራዊ መቓብር ከዕርፍ: ያታዊ መራሒ ዚምባብዌ ጸዊዑ።

ሙጋቤ: ብ 2019 ከም ዝሞተን ከም ለበውኡ ድማ: ኣብ ዓዱ: ከተማ ካቱማ: ከም እተቐብረን ዝፍለጥ እዩ። ንሙጋቤ ስዒቡ ፕረሲደንት እታ ሃገር ዝኾነ: ኤመርሰን ምናንጋግዋን: ካልኦትን ኣብ መካነ መቓብር ሃገራዊያን ጀጋኑ ክቕበር እኳ ባህጊ እንተነበሮም: ለበውኡ ከየዕብሩ ብምባል: ቀብሩ ኣብ ዓዱ ክፍጸም እዮም ጌሮም።

ቤተሰቡ’ውን እንተኾኑ: ሙጋቤ ኣብ ሃገራዊ መቓብር እንተተቐቢሩ ናይ ፖለቲካ መቐናቕንቱ ኣዕጽምቱ ብምቅጻል: ንጥንቆላ ክጥቀሙሉ እዮም ብምባል ንለበውኡ ሙጋቤ ደገፎም ሂቦም እዮም።

ትማል ሰኑይ: ያታዊ መራሒ ናይታ ካብ ሃራሬ ብወገን ምዕራብ እትርከብ: ኣውራጃ ዝቪምባ: ቀቢላ ሙጋቤ ብዛዕባ መካነ መቓብሩ ጥርዓናት ከም ዘቕረቡሉ ሓቢሩ ኔሩ። ንሱ ሰይቲ ሙጋቤ: ግሬስ ሙጋቤ: ያታዊ ሕጊታት ብምጥሓስ ኣብ ቀጽሪ ዑና ቤቱ ክቕበር ምግባራ: ገበን ፈጺማ እያ: ክብል ውሳነ ምሕላፉ ድማ ተፈሊጡ።

ግሬስ ሙጋቤ: ኣብቲ መጋባእያ ኣይተሳተፈትን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com