Sunday , May 5 2024

ሰለስተ የዕሩኽ ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ሓንቢሶም ኣትዮም

ዝሓለፈ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ: ዳኒኤል ፋለር: ኤፍሬም ግርማይን አሌክሳንደር ኣልሜዳ ሱንዴል ዝተባህሉ ሰለስተ የዕሩኽ: ኣብ ልዕሊ ሕማማት ስነ አእምሮ ዘሎ ኣድህቦ ንኽዓቢ ብምባል: ካብ ኤልሲኖር ዴኒማርክ ናብ ሄልሲንቦሪ ሽወደን ሓንቢሶም ምእታዎም ተፈሊጡ። ኣብቲ 5 ኪሎ ሜተር ዝረሕቐቱ ጉዕዞ: ሓሰማ ባሕርን ሲል ዝመጸውዒኡ ዓሳታት ዝምገብ እንስሳ ከም ዘጋጠምዎም ሓቢሮም።
መስርሕ ምሕንባስ ጽቡቕ ነይሩ። ብሰንኪ ውሽጣዊ ማዕበል ካብ መሰመርና ስለ ዝወጻና: ተወሳኺ ሓደ ኪሎ ሜተር ክንሕንብስ ተገዲድና ክብሉ ገሊጾም። መደቦም ብምፍጻሞም ሕጉሳት ምዄኖም ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ጉዕዞ ዘጋጠሙና “ሲል” ንዝተወሰነ ርሕቀት ጎድኒ ጎንና ምሕንባሶም ክሳብ ክንደይ ሕጉሳት ምንባሮም ይገልጸልካ። ንኻልኣይ ግዜ ንኽንጓዓዝ ዘተባብዕ ኣጋጣሚ ኮይኑና አሎ። እቲ ጉዕዞ: ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ቀሊል ነይሩ: ኣብ ቀጻሊ: በጺሕካ ናይ ምምላስ መደብ ክንሰርዕ ኢና ክብሉ ዘረበኦም ዛዚሞም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com