Saturday , May 4 2024

ሰልፊ ሞደራትና ንተልእኾ ፖሊስ ዝሕግዙ 2 ሽሕ ዝኾኑ ሓለዋ ጸጥታ ክቘጽሩ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ሰልፊ ሞደራትና ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንተልእኾ ፖሊስ ዝሕግዙ 2 ሽሕ ዝኾኑ ሓለዋ ጸጥታ ክቘጽር ኣብ መደብ ባጀቱ ኣእትይዎ ምህላዉ ገሊጹ። ነዚ ድማ ክሳብ 1 ቢልዮን ክሮና ከም ዝስልዕ ኣፍሊጡ’ሎ። መራሒ ዓሞደራትና ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ሕጋዊን ቅዋማዊን መዳያት እዚ ባጀት እማመ ምቕራቡ’ውን ተጠቒሱ።

ብመሰረት ሰልፊ ሞደራትና እዚ ባጀት ኣብ ጽርግያታት፡ ኣደባባያት ከምኡ’ውን ህንጻታት ንግድ ዝህሉ ኲነታት ጸጥታ ንምውሓስ ክውዕል እዩ። “ፖሊስ ነቲ ዝለዓል ቀዳምነቶም ዘኾነ ስራሕ ዝዓዩ ሰባት ክቘጽሩ ክፍቀደሎም ኣለዎ” ክብል ምስ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com