Thursday , May 2 2024

“ሰልፊ ዲሞክራትና ዘቕረብዎ እማመ መስጊድ ሕጋዊ ኣይኮነን” ኢላ

Credit: Jessica Gow

መራሒ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ጂሚ ኦከሰን፡ ኣብ ሽወደን ተወሳኺ መሳጊድ ክህሉ ሰልፉ ከምዘይደሊ ገሊጹ። “ኣብ ዓድና መጺእካ ናይ ሓደ ጓናን መስፋሕፍሒን ስነሓሳብ ምልክት ምህናጽ ክቋረጽ ኣለዎ” ዝበለ ኤክሶን ብተወሳኺ ካብ ድሮ ዝነበሩ መአዘኒ መሳጊድን ጒልላትን ዝረእዩ ናይወርሕን ኮኾብን ክውገድ፡ ጸረ ዴሞክራሲ፥ ጸረ ክብርታት ሽወደንን ጸረ ግብረሰዶማውያን ስብከት ዝገብሩ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝዝርግሑ መሳጊድ ከኣ ክእገድ ወይ ከፍርስ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ንሱ “እዚ ምስቲ ናጽነት ሃይማኖታት ዘተባብዕ ሕጊ ቅዋም ሽወደን ኣይጋጮን እዩ” ክብል ተሟጊቱ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ክሪስተርሶን ሓዊሱ ካልኦት መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን ግን ነቲ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ሕብረተሰብ ዝያዳ ምትፍናን ከስዕብ እዩ ክብሉ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ፕሮፌሰር ሕጊ ዮኣኪም ነርጌሊየስ ከኣ እቲ መደረ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዝከላኸል ቅዋማዊ ሕግታት ዝጥሕስ እዩ ክብል ቅረታኡ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com