Friday , May 3 2024
The number of openly unemployed people fell last week, according to the Swedish Public Employment Service Foto; Johan Nilsson/TT

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ ስራሕ ንኽፋነዉ መጠንቀቕታ ዝተዋህቦም ሰራሕተኛታት፡ ክብ ከምዝበለን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ግን ብውሑድ ከምዝጎደለን ሰሙናዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6800 ሰባት ሓድሽ ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ፡ 550 ድማ ናብ ኮርስ ተጸምቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ 6 ሽሕ ሰባት ካብ ስራሕ ተሰናቢቶም። ከምውጽኢቱ፡ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ካብ 428,400 ናብ 426,000 ለጠቕ ብምባሉ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 8.2% ምብጽሑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com