Thursday , May 2 2024
Moderna's vaccine. (AP Photo/K.M. Chaudary, file) LLT107

ሰሙናዊ ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,346,868 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  86.0% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም 81.8% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 6,987,096 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።

ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,187,607 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ኮይኖም፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ድማ፡ 15,109 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ፡ ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com