Friday , May 3 2024
(South Korea Defense Ministry via AP) XSEL101

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት፡ ካልአይቲ ሚሳይል ኣወንጪፋ

ሰሜን ኮርያ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሱፐርሶኒክ ሚሳይል ብምውንጫፋ ዓብዪ መዘራረቢ ኣርእሰቲ ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ትማሊ ሰሉስ ውን፡ ባሊስቲክ ከይኮነ ኣይተርፍን እተባህለሉ ሚሳይል ምውንጫፋ ተገሊጹ።

እዚ ሚሳይል፡ ሰዓት 22፡27 ከም እተወንጨፈ ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ደቡብ ኮርያ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን እውን ሰሜን ኮርያ “ባሊስቲክ ዝመስል” ሚሳይል ምውንጫፋ ከሲሳ’ላ።

ሰሜን ኮርያ፡ ካብ መሬት፡ ባሊስቲክ ሚሳይል ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ምውንጫፋ ሰራዊትና ክፈልጥ ክኢሉ’ሎ” ክብል ሓላፊ ጥሙር ስታፍ ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ’ሎ። ብዘይካዚ ትካላት ጸጥታ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ዝርዝራዊ ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ምድላው ምህላዎምን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ንሓይሊ ምክልኻል ሃገሩ ምምዕባል፡ ኣብ 2022 ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታቱ ምዃኑ ምግላጹ ካብቲ ዞባ ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com