Thursday , May 2 2024
Foto: Lina Malers / TT kod 10510

ሰራሕተኛታት ሕ. መ. ኣ. ኣብ ሃገረ የመን ተጨዉዮም

ሓሙሽተ ሰበ – ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ የመን ተጨውዮም፣ ክብል ግልጋሎት ዜና ፈረንሳ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ብስራሕ ኮለላ መሮር ኣገልግሎት ተልእኾ ድሕሪ ምፍጻሞም ናብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝምለስሉ እዋን እዮም ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈለጡ ጉጅለ ተጨዉዮም።

ው. ሕ. ሃ. ንኩነታትን ዝፍትሕሉ ኣገባባትን፣ ምስ ሰበ – ስልጣን ናይቲ ኣብ ዓደን ዘሎ መንግስቲ ብዝላዓለ ደረጃ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቶ ሓሙሽተ ኣባላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ስለምንታይን ብመንን ከምዝተጠወዩ ከምዘይፍለጥን፣ ነዚ ሓላፍነት ዝወሰደ ወገን ከምዘየለን ይንገር።

ሃገረ የመን ኣብ ሕድሕድ ካብ ትሽመም ንደሓር ኣብ መስከረም 2014 ዕጡቓት ሁቲ ነታ ርእሲ ኸተማ ሳና ምስ ተቘጻጸርዋ፣ እቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ መንግስቲ የመን፣ ኣብ ዓደን ከምዝኸተመ ይፍለጥ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com