Sunday , May 5 2024

ሰርሕተኛታት ኣብያተ ሕክምናን መእለዪ ማእከላትን ቕልጡፍ መልሲ ዝህብ መርመራ ክገብሩ ሙዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ሕክምናን መእለዪ ማእከላት ብዕድመ ዝኣረጉ ኣረጋውያን ዝሰርሑ ኩሎም ሰራሕተኛታት ሕክምና ብ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ነጻ ሙዃኖም ዝምርምር ቕልጡፍ መልሲ ዝህብ መሳርሒ ይተኣታቶ ከምዘሎ መንግስቲ ወሲኑ። ብመሰረት እቲ ዜና ሰራሕተኛታት ሕክምና ብተደጋጋምን ቀጻልን ኣብ ዓውደ ስርሖም ምርመራ ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምዝህልዎምን ውጽኢት መርመርኦም ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፈልጡ ተኽእሎ ከምዘለዎም መንግስቲ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ስሉጥ ኣገባብ ኣሰራርሓ ነቲ በብግዚኡ ሰራሕተኛታት ብሰንኪ መልከፍቲ ካብ ዓውደ ስራሕ ከይባኮሩ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ይሕበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com