Sunday , May 5 2024

ሰርብያዊት ስፖርተኛ፡ ብሰንኪ ዓሌታዊ ተግባራ ካብ ጸወታ ቮሊቦል ትእገድ

ሃገራውያን ጋንታታት ቮሊቦል ሰርብያን ታይላንድን  ኣብ ዘካይደኦ ዝነበረት ጸወታ፡ ኣዒንታ ብምጭምጫም፡ ከተናሹ ብምፍታና ብክሲ ዓሌትነት ንኽልተ ጸወታታት ተኣጊዳ። እዛ ሳንጃ ዡርዢቪች፡ ዝተሰምየት ተጻዋቲት፡ ናብ ካሜራ ብምቕራብ ኣዒንታ በጻብዓ እናጨምተለት ከም እተራእየትን እዚ ድማ፡ ካብ ተዓዘብቲ እቲ ጸወታ ዓብዮ ተቓውሞ ምስዓቡን ተፈሊጡ። በዚ ድማ ሳንጃ ሃገራ ምስ ካናዳን ቤልጁምን ኣብ ትገብሮ ጸወታታት ኣይክትሳተፍ እያ።

ሳንጃን ፈደሬሽን ቮሊቦል ሰርቢያን በቲ ኲነታት ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለዉ። ፈደሬሽን ሰርቢያ፡ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ክቕጻዕ ከም እትወሰነሉ ድማ ተገሊጹ።

እዚ ገንዘብ ኣብ ተጻወትቲ ጸወታ ቮሊቦል ዘሎ ርድኢት ዓሌትነት ንምልዛብ ኣብ ምስትኽኻል ክውዕል እዩ ክብል ኣህጒራዊ ፈደሬሽን ቮሊቦል ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com