Saturday , May 4 2024

ሰብሓዳር ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ገበን ብምፍጻሞም ንፍርዲ ቀሪቦም።

35 ዝዕድሜኦም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብዘውረድዎ ጾታዊ ገበናት ኣብ ቤትፍርዲ ኣውራጃ ስካራቡሪ ንፍርዲ ክቐርቡ እዮም ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። እዚ ገበናት ምድፋር ህጻናት ከም ዘጠቓልል ይብል ኹፍደ ኒህተ ኣብ ዝጸሓፎ። እዞም ጽምዲ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ድሕሪ ዝተገብረሎም ጠርጠራ ብጾታዊ ገበን ህጻናት ተታሒዞም ኣለዉ።

እዞም ጽምዲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ገበን ብ 19 ዓይነታት ገበን ተኸሲሶም ኣለዉ። ብመሰረት ጠበቓ እዞም ግዳያት ገበን መብዛሕትኦም ትሕቲ 18 ገሊኦም ድማ 15 ጥራይ ዝዕድሚኦም ኰተቴ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ፖሊስ ኣብ ቤት ገበነኛታት እተረኽበ ሞባይልን ብዙሕ ናይ ህጻናት ፖርኖግራፊን ፊልምታትን ዝርከቦ ኮምፕዩተራት ምህጋሮምን ድማ ተገሊጹ። እዞም ጽምዲ ነዚ ገበን ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ ክሕደት ቃሎም ሂቦም እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com