Friday , May 3 2024
A woman passes an image depicting Saudi Arabia's King Salman (right) and Crown Prince Mohammed bin Salman (left). (AP Photo/Amr Nabil) AMR101

ሱዑዳዊት ወራሲት ዓራት: ድሕሪ ናይ 3 ዓመታት ማእሰርቲ: ተፈቲሓ

እዛ ሱዑዳዊት ወራሲት ዓራት: ንዝሓለፉ 3 ዓመታት: ብዘይ ዝኾነ ክሲ እያ ኣብ ከተማ ሪያድ ተኣሲራ ዝጸንሐት። ከም ጸብጻብ ALQST እንተኾይኑ፡ እዛ ዕድሚኣ 57 ዝኾነት ባስማ ቢንት ሳዑድ ዝተበሃለት ሰበይቲ ምስ ጓላ ስሑድ እያ ካብ ማእሰርቲ ዝተፍትሐት።

ባስማ ቢንት ሳዑድ: ንነዊሕ እዋን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ከም ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ እያ ትረአ። ኣብ ዓመተ 2019 ወርሒ የካቲት እያ ንሕክምና ካብቲ ሃገር ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወት። ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ዓመት ድማ ንንጉስ ሳልማንን ንወራስ-ዓራት ዝኾነ ንልዑል መሓመድ ቢን ሳልማንን ንጥዕናኣ ክብሉ ክፈትሑዋ ሕቶ ኣቕሪባትሎም ከምዝነበረት ዝዝከር’ዩ።

ይኹን እምበር ALQST ብዛዕባ እቲ ናይ ጥዕናኣ ኩነታት ‘ናይ ሞትን ህየትን ጉዳይ እዩ’ ንዝበሎ ሕቶ ኣብቲ እዋን እቲ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ እዩ ዝፍለጥ።

ከም ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንከላ እታ ጓል ንጉስ ዝኾነ ይኹን ክሲ ከም ዘይተመስረተላ እዮም ዝሕብሩ። ብወገን ሰበ-ስልጣን ስዑዲያ: ንምኽንያት መእሰሪ ባስማ ቢንት ሳዑድ ይኹን: ስለምንታይ ከም ዝተፈትሐት ኣመልኪቶም ዝሃቡው መግለጺ ከም ዘየለ: ክፍለጥ ተኻኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com