Friday , May 3 2024

ሱዳን፡ ምልዓል ድጎማ፡ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ የስዕብ

መንግስቲ ሱዳን፡ ድጎማ ነዳዲ ክለዓ ል ብምግባሩ፡ ዋጋ ነዳዲን ላምባን ብዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ።

በዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ፡ ካብ 150 ፓውንድ ሱዳን ንሊትሮ ናብ 290 ከም ዝወሰኸ ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ። ሱዳን ዓመታዊ ንድጎማ 1 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ትገብር ምንባራ ገሊጻ’ላ። ኣብ ሱዳን፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ተኸሲቱ እኳ እንተሎ፡ ሕጂ’ውን እቲ ዋጋ ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝተሓቱ ዋጋታት ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ። ኣብ ሱዳን፡ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ጠንቂ ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ንዝተገብሩ ናዕቢታት ምንባሩ ይፍለጥ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ዑመር ኣልበሺር፡ ብዝተኻየደ ምንቊልቋል ዋጋ ባጤራን 300% ዝቕባበ ዋጋታትን ምህላዉ ሓበሬታ ቢቢሲ ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com