Saturday , May 4 2024

ሲሶ ካብ መንእሰያት ኖርወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ኣይፈልጡን እዮም ተባሂሉ።

ሲሶ ካብ መንእሰያት ኖርወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ኣይፈልጡን እዮም ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ሃይማኖት ከም ዘይብሎም ዝገልጹ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍላጥ ህንጡይነት ከም ዘለዎም፡  እንተኾነ ግና በንጻሩ እቶም ሃይማኖት ከም ዝስዕቡ ዝገልጹ ባእታታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘየንብቡ ስነ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ሃይማኖት ዘካይድ ኤርለንድ ሆቭድኪን ፎን ገሊጹ። እዚ ዳህሳስ ኖርስታት ብተልእኾ ቫርትላንድ ዝተኻየደ እዩ። ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ናይ ጀንደር ሓሳባት ስለ ዘለዎ ከምኡውን ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ ብምባል ሰባት ኣብዝቲ መጽሓፍን ኣብ ሃይማኖትን ብሓፈሻ  ዘለዎም ተገዳስነት እናንቈልቁለ ምምጽኡ ፎን ወሲኹ ኣመልኪቱ። ዋና ጸሓፊት ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣን ቶፕላንድ ነዚ ኣመልኪኣ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ክልተ ሲሶ ካብ መንእሰያትና መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ ምህላዎም ኣዝዩ ኣዎንታዊ ነገር እዩ ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com