Monday , May 6 2024

ሳክስፎኒስት: ኑብያ ጋርሲያ: ኣቓልቦ ትስሕብ

ብሪጣንያዊት ሳክስፎኒስት: ሙዚቃ ጃዝ: ኑብያ ጋርሲያ: ኣብ ሳመር ናይ 2021 ብፍላይ ብክእለታ ዓብዪ ኣድናቖት ከም ዝረኸበት ጸብጻብ ቢቢሲ ኢንተርቴይንመንት ሓቢሩ።

ተወላዲት ካምደን ዝኾነት ኑብያ: ብፍሉይ ምልከት እዚ መሳርሒ ሙዚቃ: ክሳብ ተሓጻዪት ሽልማት ሜርኲሪ ንምዃን በቒዓ’ላ። ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ Albert Hall ክትጻወት ዕድል ከም እተዋህባ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ። ንሳ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል: ብቐጥታ ዝጽወት ሙዚቃ: መግቢ መንፈስ እዩ: ን 18 ኣዋርሕ ብሰንኪ ለበዳ ነዚ መቐረት ህይወት ተኾኒንና ኢና ኔርና ኢላ። ውጽእ ኢልካ እትፈትዎ ሙዚቃ ምስትምቓር ምኽኣል ብቐንዱ ሓርነት እዩ” ክትብል እዛ 29 ዝዕድሜኣ ኮኾብ ሳክስፎኒስት ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com