Saturday , May 4 2024

ሳፖ፡ “ሓያሎ ውዲት መጥቃዕትታት ኢራን ኣፍሺልና”

Credit: Henrik Montgomery/TT

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ሳፖ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ክትፍጽሞ ዝሓሰበት ሓያሎ ዝተፈላለየ መጥቃዕትታት ደው ከምዘበለ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣገልግሎት ሬድዮ ሽወደን ኣብ 2021 ክልተ ኣባላት ስለያ ኢራን ንቕትለት ሽወደናውያን ኣይሁድ መደብ ኣውጺኦም ተባሂሎም ከምዝተጠርጠሩ ገሊጻ ኔራ። ብዘይካዚ ኣንጻር ሽወደን ዘቕንዑ ካልኦት ውዲታት ምፍሻሎም እታ ሬድዮ ን ሳፖ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። “እዞም ባእታታት ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ትካላትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝዓለመ ንጥፈታት ኣዳልዮምን ተኸቲሎምን እዮም” ይብል ሓላፊ ጸረ ስለያ ሳፖ ዳንኤል ስቴንሊንግ። ኣብ 2021 ክልተ ኣባላት ስለኣ ኢራን ንሰለስተ ሽወደናውያን ኣይሁድ ንምቕታል ውዲት ከም ዝሓንጸጹ ተጠርጢሮም ምንባሮም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣቃሊዓ ኔራ እያ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ጠንቂ ሞትን ካልእ ዕንወትን ክኽዕኑ ዝኽእሉ ዝነበሩን ዝያዳ ውጥን ዝተገብረሎም መጥቃዕቲ ምንባሮም እንተኾነ ግና እዚኦም ብልክዕ ከመይ ዝበሉ እዮም ኔሮም ኣብ ዝብል ኣብ ዝርዝራት ክኣቱ ከምዘይክእል ስተርሊንግ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ ሓያሎ ፍጻመታት ይግምግሙ እንተለዉ ብሪፖርተር ምስ ተሓተተ፡ ሓላፊ ጸረ ስለያ ሳፖ እወ ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ንዝቲ ኣለና ክብል ሓቢሩ’ሎ። ኢራን ንሽወደን ዓቢ ናይ ድሕነት ስግኣት ምዃና ድሮ ዝተረጋገጸ ጒዳይ እዩ ምዃኑ፡ እቲ ሓደጋ ድማ ገና ከምዘተኣልየ ዳኒኤል ስቴንሊንግ ይዛረብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ኢራን ኣሎ ድዩ ብምባል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እወ ይብል፡፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ክኣቱ ከምዘይክእል ይውስኽ፡፡ ካብ ኢራን ዝመጹ ሕዳጣን ብሄራትን ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ተቓወምቲ እቲ መንግስቲን ዝኾኑ ስደተኛታት ኢራን፡ ካብ ኢራን ስግኣታት መጥቃዕቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ከም ዝጸንሖም ተፈሊጡ’ሎ። ብመሰረት ኣገልግሎት ጸጥታ ሳፖ፡ ኢራን ኣብ ሽወደን ንዝርከቡን ንህላወ ሓደጋ እዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ውልቀሰባትን ውድባትን ሓደጋ ክትወድቕ ትኽእል እያ። ኢራን ኣብ ሽወደን መጥቃዕቲ ክፍጽማ ዝኽእላ ንቚሓት ዋህዮታት ከምዘለዋ ገምጊሙዶ ብምባል ንዝቐረበሉ ሕቶ ዳኒኤል ስቴንሊንግ፡ ብዛዕባ ኢራን ይኹን ካልእ ሃገር ዝምልከት ድሕነታዊ ሓበሬታ ናብ ዝርዝራት ክኣቱ ከምዘይክእል ድሕሪ ምትሕስሳብ ኢራን ሓንቲ ካብተን ንሽወደን ስለያዊን ድሕነታዊን ስግኣታት ምዃናን ነዚ ድማ ሳፖ ብቐረባ ይከታተሎ ምህላዉን ኣመልኪቱ። እዚ ንመላእ ሽወደን ብድሆ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ከኣ ፡ ዜጋታት ነንሕድሕዶም ክተሓጋገዙ፡ ንኹሉ ዜጋ ዝጸሉ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፍጸም ስግኣታት ብጥንቃቐ ክከታተሉ፡ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኾነ ምንቅስቓስ እንተርእዮምም ድማ ናብ ዝምልከቶ ተላብዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com