Friday , May 3 2024

ስቴፋን ሎቪን፡ ልዕሊ ብዝሒ ሽወደናውያን ዝኣክል፡ ክታበት ኮሮና ኣውሒስና ኣለና ይብል

ሽወደን ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብመጠን ሚእታዊት ጸረ ኮሮና ዝተኸትቡ ዜጋታት፡ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ከም እትምደብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎቪን ኣፍሊጡ።

ኣብ ታሪኽ ሽወደን፡ እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ክትባት ይካየድ ኣሎ። ሕብረተሰብን በዓል መዚ ክንክን ጥዕናን ነዚ ናይ ሎጂስቲክ ብድሆ ብሓባር ዝገጠሙሉ ኣገባብ ኣኹሪዑኒ እዩ ክብል ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ ሓቢሩ።

ዛጊት 316 ሽሕ ሽወደናውያን ቀዳማይ ዶዝ ወሲዶም ኣለዉ። 85 ሽሕ ከኣ ካልኣይ ዶዝ ተቐቢሎም ኣለዉ። በዚ ድማ ኣብዚ ዘለናዮ ኣብ መላእ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ተቐሚጥና ኣሎና። ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዝተኻእለ መጠን ክትባት ንምውሳኽ ኣብ ምሽብሻብ እየን ዝርከባ” ኢሉ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ምምሕዳራት ከተማን ከባቢታትን፡ ብሓባር ንኹሎም መንእሰያት ዜጋታት፡ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት፡ ናይ ክታበት ኣገልግሎት ክበጽሖም ኣብ መስርሕ እዮም ዝርከቡ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ምዕዳል ክታበት ምድኑጋያት ይረአ እንተሃለወ፡ ክሳብ እዋን ጽድያ፡ ዝኽተቡ ሰባት ክህልዉና ይኽእሉ እዮም ክብል ኣስሚሩሉ።

እዚ ንምውጋድ፡ መንግስቲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ንመላእ ህዝቢ ዝኸውን ብዙሕ ክትባታት ከምዘውሓሰ ሓቢሩ።

ኣብ መወደእታ ሎቪን፡ ክትባት ካብ ስቅያት ዘገላግል፡ ህይወት ዘድሕንን ንሓዋሩ ድማ ንቡር ህይወት ንኽንመርሕ ዝሕግዝ እዩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com