Saturday , May 4 2024

ስቶክሆልም፡ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ሰራሕተኛታት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ መርመራ ክግበረሎም ወሲኑ

ኩሎም ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ኣባላት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ መርመራ ኮሮና ክግበረሎም ምዃኑ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ከምዝሓበረ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ስቶክሆልም፡ ተወሳኺ መርመራታት ኮሮን ክግበርን እቶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝሰርሑ ቀዳምነታት ክወሃቦም ምዃኑን ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።

ይኹን እምበር፡ ንኣባላት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም ክግበር ተመዲቡ ዘሎ መርመራ ኮሮና መዓስ ከምዝጅምር ሓላፊ ኮሚቴ ትራፊክ፡ ክሪስቶፈር ታምሶንስ፡ ኣይሓበረን።

ኣብ ሽወደን፡ መርመራ ኮሮና ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ዝጅምር፡ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ መርመራ ዝተገብረሉ ሰሙን ነይሩ። እዚ ድማ ክሳብ 36500 ሰባት መርመራ ከምዝተኻየደሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ሽወደን በዚ ውጽኢት ዕጉብ ከምዘይኮነን፡ ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ንምድሓንን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሰባት ናብ ስርሖም ክምለሱ ክኽእሉ ምእንትን ኩለን ምምሕዳራት ኣብ ሓደ ሰሙን ዘካይደኦ ቁጽሪ መርመራታት ክብ ከብላ ከምዘለወን ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com