Saturday , May 4 2024

ስካንያ፡ ኣብ ሶደርታልያ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ከፋኑ መዲቡ

ሽወደናዊ ኩባንያ ምስናዕ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ስካንያ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ኣታዊታቱ ብምንቁልቋሉ ንብዙሓት ካብ ሰራሕተኛታቱ ከፋኑ መዲቡ ከምዘሎ TT ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብ ሶደርታልያ ዝርከብ ማእከላይ ቦታ’ቲ ኩባንያ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ንኸፋኑ መጽናዕቲ የካይድ ምህላው እቲ ኩባንያ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ንነዊሕ እዋን ጠለብ ፍርያታ ትሑት ክኸውን ከምዝኽእል እታ ኩባንያ ገምጋማ ገሊጻ።

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ንጥፈታት ኩባንያ ስካንያ ክዝሕትል ከም ዝተገደደ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 5000 ሰራሕተኛታት ኣብ ዘየድልየና ናይ ስራሕ ቦታታት ዝተመደቡ ኣለውና። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ሶደርተልያ ዝርከብ ማእከላይ ቦታና ዝሰርሑ ዘጠቕልል እዩ ክብል ኣካያዲ ስራሕ እታ ኩባንያ፡ ሄንሪክ ሄንሪክሰን፡ ሓቢሩ።

ኩባንያ ስካንያ፡ ሰራሕተኛታት ብግዝያውነት ናይ ምፍናውን ሰዓታት ስራሕ ናይ ምጉዳል መስርሕን ዝኣመሰሉ ኣገባባት ተኸቲሉ ነይሩ። እዚ ድማ ንሳዕቤናት ቅልውላው ኮሮና ከምዘፋኾሶ ይሕበር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ተወሳኺ ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ እቲ ኩባንያ ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com