Saturday , May 4 2024

ስኮነ፡ ንትግባረ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝከታተልን መቕጻዕቲ ዝውስንን ጉጅለ ኣቊማ

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ስኮነ፡ ንትግባረ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝከታተልን ሕጊ ኣብ ዝጠሓሰሉ እዋን ይኹን ጽቕጥቅጥ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ መቕጻዕቲ ዝውስንን ሓድሽ ጉጅለ ከም ዘቖመ ኣዊጁ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ።

እዚ ኣዋጅ፡ ንመከላኺሊ ተባሂሉ ዝተመሓላለፈ ምዃኑን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝምልከት፡ ህዝቢ፡ ሓቤሬታ ንኽረክብ ይሰርሓሉ ከምዘሎ’ቲ ቤት ምኽሪ ሓቢሩ።

ንግዳውያን ትካላት ስኮነ፡ ምስዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ንኽወሃሃዳ፡ ቅሩብ ግዜ ክወሃባ ይግባእ ክብል ሓላፊ ናይ’ታ ሓዳሽ ተቆጻጻሪት ጉጅለ፡ ላሽ ሳንዳል፡ ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ንኽትግብራ፡ እዘን ንግዳውያን ትካላት፡ ገለ ሕጽረታት ክህልወን ስለዝኽእል፡ ክሳብ ሕጽረታተን ዘማልኣ፡ ንቁሩብ ግዜ ክንጽበየን ኢና። ብድሕሪ’ዚ ኢና ናብ ናይ መቕጻዕቲ ስጉምታት ክንሰግርን ካብኡ ሓሊፍና ድማ ናይ ምዕጻው ስጉምታት ክንወስድን ክብል፡ ሳንዳል፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ሽወደን፡ ንመጠን መቕጻዕቲ ኣመልኪቱ፡ ክሳብ 2000 ክሮነር ዝበጽሕ ክኸውን ክብል እማመ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com