Friday , May 3 2024

ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብተን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ክሊኒካት ኣገልግሎት ይረኽቡ’ለዉ

Credit: HENRIK MONTGOMERY / TT

መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሽወደናዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ክሊኒክ “ዶክተርስ ኦቭ ዘ ዎርልድ” ኣገልግሎት ይረኽቡ ኣለዉ ። ዓሚ ክሊኒካቶም ኣስታት 1900 ሰብ ከም ዝረኣያ እዚ ድማ – ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ እንክወዳደር ብ 30% ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብዙሓት ሕሙማት ክረኽብዎ ዝግባእ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ይኽልከሉ ከምዘለዉ ሓያሎ ትካላት ይገልጻ’ለዋ። ካልኦት ድማ ናብ ሰብመኢ ከይስትለሙ ብምስጋእ ክንክን ካብ ምርካብ ይቚጠቡ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com