Thursday , May 2 2024

ስፖርታዊ ቅነን ስግኣታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናን

ስፖርታዊ ቅነ፡ እናቐረበ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ስግኣታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብኡ መንጽር እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ኣባል በዓል መዚ ጥዕና፡ ሳራ ቢፎሽ፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ምርኻብ ማለት፡ ንተኽእሎታት ለበዳ ምዕባይ ማለት እዩ ኢላ። ናብ ዝደለኻዮ ቦታ እንተ ገሽካ፡ ወይ ድማ ኣብ ዘለኻዮ ዓዲ እንተ ሃለኻ፡ ምስ ቀጻሊ ዘይትራኸቦም ሰባት ክትራኸብ ከምዘይብልካን መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ክትኽተልን ከምዝግባእ ኣዘኻኺራ።

ኣብ እዋን ስፖርታዊ ቅነ፡ ብዙሓት ሽወደናውያን፡ ናይ ምንሽርታት ስፖርታዊ ንጥፈታት ንኸካይዱ፡ ናብ ጎቦታት ከምዝኸዱ ይፍለጥ። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ነዚ ስፖርታዊ ቅነ፡ ደው ከብሎ መደብ ከምዘይብሉ ዝሓበረ፡ ኣብ ቃልዕ ቦታ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ምክያድ፡ ንጥዕና ጽቡቕ ምዃኑ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር ግን ናብቲ ጎቦታት ብኸመይ መንገዲ ትበጽሕን ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕካ እትኽተሎ ማሕበራዊ ኣገባብን ዝውስኖ እዩ።

ኣብ እዋን ስፖርታዊ ቅን፡ ዜጋታት ሽወደን፡ ኣብ ኣባይቶም እንከለዉ ክሽምቱን ምስ ካልኦት ስድራቤታት ንኸይቅመጡን፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና መኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com