Friday , May 3 2024
Credit: Narges Mohammadi Foundation / AFP, Fredrik Sandberg / TT

ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንእትርከብ ኢራናዊት ናርጊስ ተዋሂቡ

ሽልማት ኖቤል ሰላም 2023፥ ንኢራናዊት ናርጊስ መሓማዲ ተዋሂቡ። ናርጊስ “ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኢራን ዝወርድ ጭቆና ኣብ
ምቅዋም ከምኡ’ውን ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፥ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ናጽነት ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ቃልሲ ነዚ ሽልማት
ከም ዝበቕዐት ተገሊጹ’ሎ። ናርጊስ መሓመዲ ብምኽንያት እዚ ብመትከል እተካይዶ ቃልሲ፡ 13 ግዜ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይና፡
ብድምር ን 31 ዓመታት ማእሰርትን 154 መግረፍቲን ከም እተፈርደት ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ይገልጽ። ናርጊስ ኣብዚ ሕጂ እዋን
ኣብ ኢራን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትርከብ። ሽልማት ኖቤል ሰላም ሎሚ ዓርቢ ንግሆ እዩ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ዕላዊ ተጌሩ።

Credit: Narges Mohammadi Foundation / AFP, Fredrik Sandberg / TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com