Saturday , May 4 2024
Artists have been pushing for more and better crisis support lately. Here Sara Sommerfeldt and Lisa Nilsson listen as the Moderates' Elisabeth Svantesson presents proposals for strengthened support for events and culture. Foto: Claudio Bresciani / TT / Kod 10090

ሽማግለ ቁጠባ፡ ንንጥፈታት ዝግበር ናይ ሓገዝ መስርሕ ክልወጥ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ

መንግስቲ፡ ነቲ ናይ መልከፍቲ እዋን ብዝምልከት ንተወሳኺን ንዝተፈላለዩ ባህላዊን ካልኦት ንጥፈታትን ዝግበር ሓገዝ ዘለው ሕግታት ክልውጦም መጸዋዕታ ከም ዝቐረበ ተፈሊጡ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይ ቁጠባ ሽማግለ ዘተኣታተዎ ናይ ክልተ ተወሳኺ ጽገናዊ ባጀት ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ሽማግለ ቑጠባ እቲ ባይቶ (Riksdag) ነቲ ናይ መንግስቲ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘተኣታተዎም እማመታት ናይ ተወሰኽቲ ረቛሒታት ብዝምልከት ብኽፋል ንኸጽድቖ እማመ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ’ሎ።

ኮይኑ ግና እቲ ሽማግለ ዘቕረቦ እማመ፡ ካብቲ መንግስቲ ነቲ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ናይ ባህሊ ክበጽሕ ዝኽእል ጽልዋ ቁጠባ ንምንካይ ኢሉ ካብ ዝተለሞ ንላዕሊ ናይ 820 ሚልዮን ተወሳኺ ሓገዝ ንኽግበር ዝጽውዕ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ’ውን፡ እቲ ሽማግለ ነቲ መንግስቲ ዘቕረቦ እማመ ዝተቐበሎ ኾይኑ፡ እዚ ድማ ንመርመራ፣ ነቲ መልከፍቲ ንምክትታል ዝወጽእን ኮምኡ ድማ ካብ ግብሪ ናጻ ዝኾኑ ኩባንያታት ዝኽፈል ገንዘብ ዝሓውስ ከምዝኾነ ተፍሊጡ’ሎ።

እቶም ኣካየድቲ ንጥፈታት ነቶም ዘለው እገዳታት ተሳጊሮም ብድፍረት ኣብቶም ዝካየዱ ውራያት ነቲ ገንዘብ ንኸዋፍሩ ምእንቲ ክሕግዝ ዝተዳለወ ሓገዝ ንምርካብ ኣዝዩ ዝተሓለለኸ ብምዃኑ ኣብቲ ልዕሊ ዝቐረበ ናይ ሓገዝ መስርሕ ሓያል ነቐፌታ ከም ዝበጽሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እቲ ሽማግለ ናይ ቁጠባ እቶም በዚ ጉዳይ ዝተጸልዉ ወገናት እቲ ሓገዝ ተቐቢሎም ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ተረባሕቲ ክኾኑ ብምባል መንግስቲ ነዚ ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ረቛሒ ብቕልጡፍ ክቕይሮ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ዛጊት፡ ንእሽተይ ክፋል ናይቲ ሓገዝ ጥራሕ ከም ዝተኸፍለ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com