Thursday , May 2 2024

ሽወደናዊት ምምሕዳር ከተማ (Kommun)፡ ስደተኛታት ኣይቅበልን ኢየ ትብል

ምምሕዳር ከተማ ሰልቨስቦሪ (Sölvesborg)፡ ስደተኛታት ኣብቲ ምምሕዳር ንኽነብሩ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ብምሕባር፡ ነቲ ስደተኛታት ንኽቕበላ ብመንገዲ ኢሚግሬሽን ዝወሃበን መምርሒ ብዘይምቕባላ፡ ጥሕሰት ንሕገ መንግስቲ ትፍጽም ምህላዋ SVT ሓቢሩ።

ኣካየድቲ’ዛ ምምሕዳር ከተማ ዝኾኑ ሰልፍታት ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ዓቃባውን ናይቲ ከባቢ ሰልፊ ሶልቪስቦሪ፡ ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ምቕባል ስደተኛታት፡ ዘይምርድዳእ ፈጢረን ከምዝነበራ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ግን እቲ ዘተ ኣቛሪጹ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ቤት ጽሕፈት ሽማግለ’ታ ከተማ፡  ንኻይኣይ ግዜ ነቲ ጉዳይ ክዛረበሉ ተበጊሱ ኣሎ።

እዛ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ 16 ስደተኛታት ጥራይ ከምተቐበለት ኣባል ቤት ጽሕፈት ሽማግለ’ታ ከተማ፡ ፖል ኣንደርሾን (ዓቃባዊ ሰልፊ) ብምሕባር፡ ብቤት ጽሕፈት ሽማግለ’ታ ከተማ ዝብገስ ዘሎ ዘተ፡ ንመጻኢ ዝምልከት ምዃኑ ገሊጹ። ቅድሚ ሓድሽ ማዕበል ስደተኛታት ምኽሳቱ፡ ነዚ ጉዳይ መዕልቦ ክንረኽበሉ ይግባእ ድማ ኢሉ።

ምምሕዳር’ዛ ከተማ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሕግታት ዘሎ ሃጓፍ መዝሚዙ ክጥቀመሎም ወጢኑ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሕጊ፡ ጉዳይ ነባርነት ብምምሕዳር ከተማ ዝውሰን እዩ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብመንገዲ ኢሚግሬሽን ዝመጽዋ ስደተኛታት ንኽትቅበል ዘገድድ ሕጊ እዩ። ስለዚ በቲ ቀዳማይ ሕጊ ክትጥቀም መደብ ኣለዋ።

ሓላፊት ተቛዋሚ ሰልፊ’ታ ከተማ ዝኾነት ዮዋና ፒር (ሶሻል ዲሞክራትና) ብኣካየድቲ’ዛ ምምሕዳር ከተማ ዝኾና ሰልፍታት ዝቐረበ እማመ ብትሪ ከምትነቕፎ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com