Thursday , May 2 2024

ሽወደናዊ ጸሓፊ፡ እዛ ፊልም ኩሎም ወለድን ቆልዑን ክርእይዋ እትግባእ እያ ይብል

ኣብ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ዝጽሕፍ፡ ማትያስ ቤሞ፡ ነዛ “Social Dilemma” ዘርእስታ ፊልም፡ ቆልዑን ወለድን ክርእይዋ እትግባእ እያ ኢሉ። እዛ ፊልም ኣብዚ እዋን ኣብ ኔትፊሊክስ ትፍኖ ምህላዋን ኣብዚ ዓመት ካብ እተራእያ ፊልምታት እታ ኣዝያ ኣዛራቢት ክትከውን ከም እትኽእል እዚ ጸሓፊ ገሊጹ’ሎ። ትሕዝቶ እዛ ፊልም፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሜድያን ፍሉጣት መርበብ ሓበሬታታትን ኮይና ብዛዕባ ኣብዘን ኩባንያታት ካብ ዝሰርሑ ዓበይቲ ዲዛይነራትን ሰራሕቲ ፕሮግራማትን ዝተረኽበ ሓበሬታ ዝሓዘት ሰነዳዊት ፊልም ምዃና እውን ተሓቢሩ። ኣዝዩ ገዚፍ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ብዘይ ሜድያ፡ ምንም ክገብር ዘይክእል ክሳብ ዝመስሎ ኣብ ዲግ ዝበለ ወልፊ ተሸሚሙ ምህላዉ ኸኣ ሓደ ካብ ቴማታት እዛ ስራሕ እዩ።

ኣብዚ ዝኣትዉ ሰባት ብኸመይ ካብዚ ዓዘቕቲ ከም ዝገላገሉ ንምምሃርን ካብቲ ኣብ ህይወቶም ዘምጽኣሎም ሰፍ ዘይብል ዕንወት ንምንጋፍ ዝብል ዕላማ ዝገበረ ስራሕ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። እዘን ኩባንያታት፡ ነቲ ናይ ቁማር ኢንዱስትሪ ዝጥቀመሉ ሜላ ወልፊ፡ ብምጥቃም ዓማዊል ኽሸኽሉን እዘን ኩባንያታት ድማ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክግሕጣን ብዘኽእሉ ኣገባብ ዝተሃንደሳ እየን።

እዘን ኩባንያታት ፍርያታት ብምልላይ ወይ ብምሻጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ብምእካብን ብምሻጥን ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከም ዝግሕጣ ድማ እታ ፊልም ትገልጽ።

ማሕበራዊ ሜድያ፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝተመርኰሰ ዴሞክራሲ፡ ናብ ስርዓተ ዕሱባት ሰራሕተኛትታ ይቕይሮ ምህላዉ እዚ ድማ ግርጭታት ኣብ ምብላሕ ይውዕል ምህላዉ፡ ቤሞ፡ ኣመልኪቱ።

እዛ ፊልም፡ ደቅና ነቲ ኣብ መጻኢ ክስእንዎ ተኽእሎታት ዘሎ ከም መጻሕፍቲ፡ ዜና፡ ፊልምታት፡ ታሪኽ፡ ሓበሬታ፡ ፍትሒ፡ ሓቅነት፡ ምድንጋጽን ክውንነትን ኣመልኪታ ዘሕዝን ኩነታት የንጸላሉ ከምዘሎ እያ ትሕብረና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com