Saturday , May 4 2024

ሽወደናውያን ጎዳኢ መጠን ጨው ኣብ መግቢ የህልኹ

Credit: FREDRIK SANDBERG / TT

ሽወደናውያን ንጥዕናኦም ብዝጎድእ መጠን ጨው ኣብ መግቦም የህልኹ ምህላዎም ተፈሊጡ። ብምኽንያት ዘይግቡእ ሃልኪ ጨው፥ ዓመታዊ ኣስታት 8,000 ሰባት ወቕዒ ልቢ ከምዘጋጥሞም ጸብጻብ “ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን” ኣመልኪቱ። “ጨዋም መግቢ ብብዝሒ ንበልዕ ኣሎና” ትብል ኣካያዲት ናይቲ ጸብጻብ ከምኡ’ውን ክኢላ ኣመጋግባ ኣሳ ብሩጋርድ ኮንደ። ሽወደናዋን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት መጠን ዘህልኽዎ ጨው ብ 20% ብምንካይ ጥዕናኦም ክሕልዉ ካብ ኮንደ መጸዋዕታ ቀሪቡ’ሎ። ጨው ሶድዬም ክሎራይድ ዝተባህለ ባእታ ከም ዘለዎ እዚ ድማ ካብቲ ንጥዕናና ኣድላዪ ዝኾነ መጠን እንተተወሲዱ ኸኣ ንልዑል ጸቕጢ ደምን ሕማም ኲላሊትን ከም ዘቃልዕ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ስቶክሆልም ዘዘራረበቶም ዕዱማት ምሳሕ፥ ንጨው ንመግቢ መቐረት ኣብ ምውሳኽ ዝህቦ ዘይትካእ ግደ ዘለዎም ”ፍቕሪ” ድሕሪ ምግላጽ፥ እንተኾነ ግና እዚ ምርጫ ሓደገኛ ምዃኑ ተኣሚኖምሉ’ለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com