Friday , May 3 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ሽወደን፡ ሕማም “ኮቪድ-19” ንፈለማ ግዜ ካብ ዝርከብ ሕጂ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ።

ኣብ ጥሪ 2020 ኣብ ዮንሾፒን ሕማም ኮቪድ-19 ንፈለማ ግዜ ካብ ዝርከብ፡ ሕጂ ሳልሳይ ዓመቱ ምሓዙ ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቫይረስ ስግኣት ከም ዘይፈጥረላ፡ ምስቲ ሕማም ብኸመይ ከም እንነብር እውን ልምዲ ተጠርዩ ምህላዉ፡ ኣብ ዮንሾፒን ሓኪም ሕማማት ለበዳ ማሊን በንገር ገሊጻ’ላ።

“እዚ ሓድሽ ጅር ን ባህርያዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ኣብ ምትላል ጽቡቕ ብቕዓት ኣለዎ። በዚ ድማ’ዩ ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ዝተለኽፈ ወይ’ውን ብዙሕ እዋን ዝተኸትበ እንተኾነ፡ በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ዝህልዎ” ክትብል ወሲኻ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com