Sunday , May 5 2024
How widespread the new variant omikron is varies greatly among the regions, according to preliminary figures from last week. (Peter Byrne/PA via AP) WRC813

ሽወደን፡ መጠን ዝርጋሐ ኦሚክሮን፡ ከምዝፈላለ ገሊጻ

ምስፍሕፋሕ ናይ መልከፍቲ እንዳወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎን – ኣብ ናይ በዓላት ልደት ዘሎ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ሓድሽ መልከፍቲ ከምዝወሰኸን መብዛሕትኦም ድማ ክትባት ዘይወሰዱ ሰባት ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ ብ14% ከምዝወሰኸን ተገሊጹ። ቁጽሪ ናይቶም ብሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ውን ወሲኹ ምህላው ጸብጻብ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መጠን ምስፍሕፋሕ ናይቲ ሓድሽ ጅር፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ፡ ብሰፊሕ ዝፋላለ ኮይኑ፡ ካብቲ ዝዋሐደ 3% ክሳብ እቲ ዝበዝሐ 51% ከምዝበጽሕ ብመሰረት ፈለማዊ ውጽኢት ናይ መበል 51 ሰሙን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኮይኑ ግና እቲ ኣንፈት ንጹር እዩ፡ ክብል እቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምግላጹ፡ መጠን ኦሚክሮን ክብ ኢሉ ኣሎ፡ ኣብ ቀጻሊ’ውን እንዳወሰኸ ክኸይድ ትጽቢት ኣሎ ኢሉ።
ኮቪድ-19፡ ብዝያዳ ንዘይተኸተቡ ሰባት ከምዘጥቅዕ ካብቲ ጽንኩር ሕክምና ዘድልዮም ቁጽሪ ሕሙማት ሰባት ዝተወስደ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ክርአ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ 4 ሳምንታት፡ ቑጽሪ ናይ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ካብ መንጎ 100,000 ነበርቲ ብ12 ዕጽፊ ዝበልጽ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ናብ ሕክምና ዝኣቱ ቑጽሪ ሕሙማት ይውስኽ ዋላ’ኳ እንተሎ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘነበረ እዋናት ናይ ልዑል ምስፍሕፋሕ ናይ ለበዳ ግና ዝዋሓደ እዩ። ቁጽሪ ናይ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት’ውን ካብ ዝሓለፉ ኣብ ልዑል ዝኾነ እዋን ለበዳ ተመዝጊቡ ካብ ዝነበረ ዝዋሓደ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።
ክሳብ ሕጂ፡ 29% ናይ ኩሎም ልዕሊ 18 ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ሰባት ካልኣይ ግዜ ክትባት ከምዝወሰዱ ተፈሊጡ’ሎ። ካብቶም 65 ን ካብኡ ንላዕሊን ዕድመ ዘለዎም 79% ድማ ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ እቲ 3ይ እብሪ ክትባት ከወስዱ ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com