Thursday , May 2 2024

ሽወደን፡ ተወሳኺ 180 ሽሕ ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክታበት ዓዲጋ

ሽወደን፡ ተወሳኺ 180 ሽሕ ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክታበት ከምዝዓደገት ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።

ክልተ ኣምጻእቲ ትካላት፡ ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ፡ መድሃኒት ሸይጦምልና፡ ብጣዕሚ ዕድል ጌርና ኢና ክትብል ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ሓላፊት ጨንፈር ዝኾነት ማያ ብሪቲንግ፡ ገሊጻ።

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንኣገዳስነት ክታበት ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ከዕብዮ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ካብቲ ዓሚ ዝዓደገኦ ጸረ ወቕታዊ ኢፍሉዌንዛ ብ80 ሽሕ ዝዛይድ ከምዝዓደጋ ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሽወደን፡ 1 ሚልዮንን 660 ሽሕ ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ከምዝዓደገት ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com