Thursday , May 2 2024

ሽወደን፡ ንኹሎም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ምኽታብ ጀሚራ።

ሽወደን ኣብ ቀዳምነት ክትባት ዘለዋ መርገጺ ከም ዝቐየረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኩሎም ልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ኣብዚ መስርሕ ክታበት ካልኣይ ደረጃ ክስርዑ እዮም። እቶም ዝለዓለ ክንክን ዘድልዮም፡ ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ዝበሃሉ እዮም ቀዳምነት ክወሃቦም፡ ክብል ዳይረክተር በዓልመዚ ጥዕና ዮሃን ካርልሰን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሃ።

ኣብዚ ካልኣይ መድረኽ ዝያዳ ጉጅለታት ክኣትዉ ከም እተገብረን እቲ ክሊ ዕድመ ድማ ካብ 70 ናብ 65 ለጠቕ ክብል ከም እተገብረ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።

ከም ሓምም ኩሊት ዘለዎም ወይ ድማ ሓድሽ ክፋል ኣካላት ዝተዘርኣሎም (orgelplantage) ወይ ድማ ተደረብቲ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ድማ ኣብዚ ምድብ እቱዋት ክኾኑ እዮም ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ተሰሪዖም ዘለዉ፡ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 60-64 ዓመት ዘለዉ ኮይኖም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ውን ዘጠቓልል እዩ። ግዳም ሓደርን ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ውን ኣብዚ ጉጅለ እቱዋት እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ራብዓይን ናይ መወዳእታ መድረኽን ድማ ኩሎም ካብ 18-59 ዓመት ዝዕድሜኦም ከጠቓልል እዩ።

ዕደላ ክትባት ይሳለጥ ኣሎ ዝበለ፡ ካርልሰን፡ ዛጊት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ሓደ ወይ ክልተ ብልቃጥ (ዶዝ) ክትባት ወሲዶም ምህላዎም ኣመልኪቱ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡  245 ሽሕ ዝኸውን ሓደሽቲ ብልቃጣት (ዶዝ) ኣብ ኢድና ክህልወና እዩ። ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ ሓደ ሚልዮን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ ክሳብ 1.2 ሚልዮን ብልቃጥ ከም ዝህሉ ተገሊጹ’ሎ።

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ንመሳለጥያ ናይዚ ክትባት ተባሂሉ ክሳብ 400 ሚልዮን ክሮና ተመዲቡለን ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን ሓቢራ።

ክሳብ ሕጂ፡ 264 ሽሕ ሰባት፡ ብውሕዱ ሓደ ብልቃጥ ክትባት ከም እተዋህቡ ሓላፊት ክንክን ጥዕና ምምሕዳራት፡ ኤማ ስፖክ፡ ገሊጻ። ንሳ ኣብ መፋርቕ ዓመተ 2021፡ ክሳብ 8.2 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ከነኽትብ መደብ ኣሎና ኢላ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብምኽንያት ሕጽረት ቀረብ ክትባት ብዝግታ ክጐዓዛ ምጽንሐን ድማ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com