Thursday , May 2 2024

ሽወደን፡ ንዜጋታታ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና ክትህብ ወሲና

መንግስቲ ሽወደን፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና፡ ዝውዕል ዲጂታላዊ ትሕተ ቕርጺ ንኸዳልዋ ሰልስተ ወኪላት ተልእኾ ሂቡ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ፡ እቲ ሰርቲፊኬት ዘውጽእ፡ ዝጥቀመሉ ይዂን ዘረጋግጽ ሰብ፡ ብዝቐለለ ኣገባብ ክረዳድኡ ይኽእሉ ክብል ሚኒስተር ዲጂታላዊ መስርሕ፡ ኣንዱሽ ኤግማን፡ ሓቢሩ ብምባል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ።

ሰባት፡ ክትባት ከም ዝወሰዱ ንምርግጋጽ እዚ ሰርቲፊኬት ክህልዎም ይግባእ ክትብል ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግረን፡ ጻውዒት ጌራ’ላ። እዞም ምስክር ወረቐታት ክሳብ እቲ ክትባት ዘገልግለሉ ግዜ ዋጋ ክህልዎም እዩ ኢላ።

ሽወደን፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ጉዕዞ ክዉን ንምግባር፡ ኣህጉራዊ ብቕዓት ዘለዎ ትሕተ ቅርጺ ኣብ ምህናጽ ተራኣ ክትጻወት ከም እትደሊ ድማ ተገሊጹ። ክሳብ ዝቕጽል ክረምቲ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መንግስቲ፡ ዲጂታላዊ ትሕተ ቕርጺ ክዋድድ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ዝኽተብ ዘበለ ሰብ፡ ወረቐት ምስክር ክወሃቦ እዩ ድሕሪ ምባል ብኣህጉራዊ ደረጃ ቅቡል ዝኾነ ምስክር ወረቐት ንምድላው ዝሕግዝ ዲጂታላዊ ትሕተ ቕርጺ ኣብ ምስላጥ ምህላዎም ድማ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ዴንማርክ፡ ፓስፖርት ክትባት ክዕድል ምዃኑ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com