Thursday , May 2 2024

ሽወደን፡ ዝለዓለ መጠን ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት ኣመዝጊባ

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሕሙማት ኮቪድ-19፡ 209 ሰባት ምብጽሑን እዚ ቁጽሪ ፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ እቲ ዝለዓለ ምኻኑ መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝሕከሙ ሰባት ከንቆልቁል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት፡ ካልኣይ ማዕበል ኮሮና ብምግጣሙ፡ እቲ ቁጽሪ ከም እንደገና ይረአ ኣሎ።

ኣብ ጨንፈር ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ፡ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቶማስ ሊንዲን፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com