Friday , May 3 2024
Swedish Defence Forces Hercules 848 evacuates people at Kabul airport. 1,300 people who were evacuated from Afghanistan after the Taliban movement's takeover of power have been granted quota refugee status in Sweden Foto: Försvarsmakten / Handout / kod 10500 **OBLIGATORISK BYLINE: Försvarsmakten / **

ሽወደን፡ ዝለዓለ ብዝሒ ኮታ ናይ ስደተኛታት ከም ዝተቀበለት ተሓቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሽወደን ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎ ብዝሒ ናይ ስደተኛታት ከም ዝተቐበለት ተፈሊጡ። እዚ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ከምዘጋጠመ እዩ ተፈሊጡ። እቲ ነዚ ዓቢ ቁጽሪ ናይ ኮታ ዝተዋህበ ምኽንያት ድማ እቶም ኣብ ዓመተ 2020 ናብ ሽወደን ክመጹ ትጽቢት ተገይሩሎም ዝነበሩ ሰባት፡ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮቪድ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት፡ ክጸንሑ ስለዝተገብሩ ከም ዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2021፡ ሽወደን 6,411 ናይ ኮታ ስደተኛታት ዝተቐበለት ኮይና፡ እዚ ኣሃዝ ድማ ምስቲ ትካል ስደተኛታት ሽወደን ዘቐመጦ ትልሚ፡ ዝሳነ ቁጽሪ ምዃኑ እዩ ዝንገር ዘሎ። እዚ ማለት ንዓመተ 2021 ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ከምኡ ድማ ኣብ ዓመተ 2020 ብሰንኪ እቲ መልከፍቲ ክመጹ ናይ ዘይከኣሉን ሰደተኛታት ሓዊሱ ዝምጥን ቁጽሪ ከምዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብ ዓመተ 2021፡ መንግስቲ ሽወደን ካብ ዝተቐበሎም ስደተኛታት፡ እቶም ዳርጋ 70% ዝኾኑ ዜጋታት ናይ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታንን ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሓደ ሲሶ ካብዚኦም፡ 1,900 ዝኾኑ ሰባት ዜጋታት ናይ ሶርያ እዮም። ኣስታት 1,300 ዝኾኑ እቲ ጣሊባን ዝባሃል ሓይሊ ኣብ መወዳእታ ክረምቲ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ፡ ካብ ዓዶም ክወጹ ዝተገብሩ ኣፍጋኒስታውያን ክኾኑ ከለው፡ እቶም 1,122 ዝኾኑ ድማ ዜጋታት ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ምዃኖም እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

እቲ ብራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ፡ 734 ዝኾኑ ድማ፡ ዜጋታት ናይ ሱዳን እዩ።

እቶም ብመሰረት እቲ ናይ ዓመተ 2021 ብዝሒ መጠን ሽወደን ዝተቐበለቶም፡ እቶም ዝዓበየን ብዙሕ ትጽቢት ዘይተገብረሎምን ዝነበሩ ስደተኛታት ናይ ኣፍጋኒስታን፡ ነቲ ትካል ስደተኛታት ናይ ሽወደን ካብ ካልኦት ሃገራት ክምጹ ዝግብኦም ንዝነበረ ብርኪ ናይ ስደተኛታት ንካልእ እዋን ንኸማሓላልፎ ከም ዘገደዶ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ብሰንኪ እቶም 1,300 ካብ ኣፍጋኒስታን ክንቅበሎም ዝተገደድና ናይ ስደተኛታት ኮታ ምኽንያት ሎሚ ዓመት ዝበዝሐ ቁጽሪ ተቐቢልና ኢና” ክብል ኣብ ትካል ስደተኛታት ሽወደን ሓላፊ ጨንፈር ዝኾነ ኦስካር ኤክብላድ፡ ኣፍሊጡ።

እዚ ስለዝኾነ ድማ፡ ትካል ስደተኛታት ሽወደን፡ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ዝኾነ UNHCR ብምስምማዕ እቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ ሃገረ ሽወደን ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ክውሕድ ከምዝገብር ተፈሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ ሽወደን ንክኸይድ ኣብ ግምት ኣትዩ ዘይፈልጥ ኣብቲ ዝርዝር ኮታ ናይ ስደተኛታት ዘይተመዝገበ ሰብ ናብ ሽወደን ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ይኩን እምበር፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝወሓደ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት እዮም ናብ ሽወደን ክኣትዉ ዝኽእሉ። ኽንደይ ምዃኖም ክዛረብ ኣይክእልን’የ፡ ግና ካብ መጀመርታ ጀሚርና ንጹር ዝኾነ ቅዋም እዩ ዘለና። ኣብቲ UNHCR ዘለው’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ይፈልጡ እዮም” ክብል ኦስካር ኤክብላድ ኣብሪሁ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com