Thursday , May 2 2024

ሽወደን፡ ድሕሪ ቅልውላው ኮሮና ንመጀምርታ እዋን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሳ

ፖሊስ ሽወደን፡ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ቅልውላው ለበዳ፡ ሕቶ ዕቕበኦም ዝተነጽገ ሰባት ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ።

ትሽዓተ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኣፍጋኒስታናውያን ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ ኣርላንድ ኤርፖርት ናብ ካቡል ገጻ ከምዝበረረት ተገሊጹ። ንሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ዝተወስደ ስጉምቲ ንብዙሓት ወገናት ከምዘቖጠዐን ተቓውመኦም ከምዝገለጹን ተሓቢሩ።

እቶም ሕቶ ዑቕበኦም ዝተነጽጉ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ፍቓደኛታት ምንባሮም ፖሊስ ገሊጹ። ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ግና እዞም ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዘለዉ ስደተኛታት ብጸቕጢ ከቲሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ ነቲ ናይ ፖሊስ መገለጺ ከም ዘይተቐበልዎ ሓቢሮም።

ንጉዳይ ምምላስ ናይዞም ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ሰብመዚ ኣፍሃኒስታን ድሕሪ ምርድዳእ ብሰላም ናብ ዓዶም ከም ዝኣትዉ ጌርና ክብል ሓለቓ ፖሊስ ዶባት፡ ፓትሪክ ኤንግስትሮም፡ ገሊጹ።

ምስ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ሽወደን፡ ሕቶ ዕቑበኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ናይ ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ ደው ኣቢላቶ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።

ኣፍጋኒስታን ሓደገኛ ቦታ ምዃኑ እንፈለጥኩም ስለምንታይ ናብኡ ትመልስዎም ንዝብል ሕቶ፡ ንሕና ከም ፖሊስ መጠን ሕጊ ምትግባር እዩ ስራሕና።  ሰብመዚ ኣፍጋኒስታን ነዞም ተመለስቲ ብኸመይ ከም ዝቕበልዎም ግን ክንዕዘብ ኢና ክብል ኤንግስትሮም መሊሱ።

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ናብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ምዱብ በረራ ስለዝተቛረጸ እዞም ንሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት ብፍልይቲ ነፋሪት ከምዝተጓዕዙ ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብ ሽወደን ናብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ናይ በረራ ጉዕዞ መዓስ ከምዝጅምር ግን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com